ናብ ከተማ ስቶክሎምን ናብ ወልካም ሃውስን እንቋዕ ብደሓን መጻእካ!

ንስኻ ሓድሽ መጻእን ኣብ ስቶክሆልም ከተማ ድማ እትቕመጥን፡ ኣብታ ናይ መጀመርያ ናይ ስቶክሆልም ግዜኻ ካባና ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ወልካም ሃውስ (Welcome House) ንኣኻ ደገፍ ዝኾኑ ንጥፈታትን ትካላት መንግስትን ኣለዉ።

ኢንትሮ ስቶክሆልም (Intro Stockholm)

ኣብቲ መጀመርታ ኣብ ስቶክሆልም እተሕልፎ ግዜ፡ እቲ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣማኻሪ ኣብዘን ዚስዕባ ነጥብታት ኪሕግዘካ ኢዩ፥

  • ንሃገራዊ ቁጽሪ መንነት (ፐርሾንኑመር)፡ ናይ ባንክ ሒሳብ፡ ወረቐት መንነት ንምሕታት
  • ንደቅኻ ናብ ቤትትምህርትን ኣጸደህጻናትን ንምምዝጋብ
  • ንጥዕና ዚምልከት መርመራን ክንክንን ንምግባር
  • ኣብ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ንምምዝጋብ
  • ነቲ ዚምልከተካን ዚግበኣካን ድጎማ ወይ ካሕሳ ንምሕታት
  • እቲ ማሕበረሰብ ብኸመይ መገዲ ከም ዚነጥፍ ንምርዳእን ብዛዕባ ስቶክሆልም ዝያዳ ኣፍልጦ ንምህላውን

ኢንትሮ ስቶክሆልም ጉጀለ ደገፍ ተወሳኺ ምኽርን ደገፍን ይህበካ። ንሕና ምስ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ኴንና ንመርሓካ።

ክሳዕ ባዕልኻ ንነብስኻ እተመሓድር፡ ግዜያዊ ቁጠባዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ናይ ኢንትሮ ስቶክሆልም ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ነቲ ንኣኻን ንስድራቤትካን ዚምልከት ናይ ቁጠባዊ ሓገዝ መሰል ይምርምሮ።

ናይ እግሪ ምትካል ማእከል (Etableringscentrum)

እቲ ናይ እግሪ ምትካል ማእከል ነዚ ዚስዕብ ይውፍየልካ፥

  • ትምህርታውን ሞያውን መምርሒ
  • ምስ ወሃቢ ስራሕ ምርኻብ
  • ናይ ውልቅኻ ዋኒን ንምምስራት ዚወሃብ ምኽሪ
  • ምስ ማሕበራት ዚግበር ምርኻብ 
  • ዲጂታላዊ መሳርሒ ንምፍላጥ ዚወሃብ ደገፍ
  • እተፈላለዩ ጉጅለኣዊ ንጥፈታትን ዎርክሾፕን

ካልኦት ተዋሳእቲ

ንሕና ምስ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ማእከል Statens Servicecenter. ናይ ቀረባ ምትሕብባር ኣሎና። ንሳቶም ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ኣብ ምዝውታርን ፎርም ኣብ ምምላእን ይሕግዙኻ።

ምስ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ንምርኻብ እውን ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ወልካም ሃውስ (Welcome House) ምስ ማሕበራትን ምስ መኽሰብ-ኣልቦ ውድባትን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ንሳቶም ንኣኻን ንስድራቤትካን እተፈላለዩ ንጥፈታት ይህቡ።

Uppdaterad